Вход на сайт

Просмотр новости

Найдите то, что Вас интересует

እታ ዘይትድቅስ ከተማ ካምፓላ--“ኣይትተሃወኽ”

Дата публикации: 01-08-2023 15:15:35

ከም ሓበሬታ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ካምፓላ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ይውዕላ። ካብዚኣቶም እቶም 1.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ እቲ ከተማ ዝነብሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 2.5 ሚልዮን ድማ ንስራሕ መዓልታዊ፡ ካብቲ ከባቢ ጎደባቶታትን ዓድታትን ዝመላለሱ’ዮም።  
ካምፓላ መዓስ ከም እትድቅስን እተዕርፍን ኣይፍለጥን። ከባቢ 6፡00 ወጋሕታ ዝጀመረ ምንቅስቓስ፡ ክሳብ ኣስታት 10፡00 ምሸት ብዙሕ ክጎድል ኣይረአን። 
ከም ሓበሬታ ጋዜጣ ዘ-ኢንደፐንደንት ናይ ዩጋንዳ፡ ኣብ ካምፓላ ጥራይ ልዕሊ 400-ሽሕ፡ “ቦዳ-ቦዳ” ዝብል ስም ዝጽውዑ ዘወርቲ ሞተር ብሽክለታ ኣለዉ። እዚ ናብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝጸጋጋዕ ብዝሒ ሞተር ብሽኽለታ፡ ምስቲ ጸቢብን ዝተመናንሀን ጽርግያታት እታ ከተማ ተደማሚሩ፡ ደውታ ክፍጠር፡ ንሓደጋታት ከቃልዕ ጽቡይ’ዩ። ንምንጭታት ከተማ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዘ-ኢንደፐንደንት ከም ዘስፈሮ’ውን ዓመታዊ ልዕሊ 1500 ዝበጽሕ ብዝሒ ሞት ብሓደጋታት ሞተር-ሳይክል ዝፍጠር’ዩ። ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓደጋታት ከኣ ልዕሊኡ ምዃኑ’ዩ። ኣብ 2020፡ ልዕሊ ኣርባዕተ-ሽሕ ሓደጋታት ሞተር-ብሽክለታ ኣጋጢሙ ምንባሩ መዛግብቲ ይሕብሩ። ኣብቲ ጻዕቂ ዝርኣዮ ከተማ ብፍጥነት ንምዝዋር ስለ ዘየከኣል ከኣ፡ ብዙሕ እዋን እቲ ዘጋጣም ሓደጋታት ናይ ቀረባ ምጉንናጽ ኰይኑ ይተርፍ። ጻዕቂ ትራፊክ ካምፓላ ብዋጋን ግዜን ምጻሩ ስለ ዝጸግም ግን ዝበዝሕ ህዝቢ በተን ሞተር-ብሽክለታ ከም ቀንዲ መጓዓዓዚ ክጥቀም ግድን ይኸውን።  
 ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንዘሎ ምቹእነትን መሳልጥያታትን ለሚዱ ንዝጸንሐ ገያሺ፡ ገለ ባህርያት ምውሓጥ ክኣብዮ ንቡር’ዩ። ንኣብነት ኡበር ምስ ጸዋዕካ፡ ዘዋሪ ምስ ተቐበላ፡ ብቐጥታ ክመጽእ ዳርጋ ዘይሕሰብ’ዩ። ኣብ ክንድኡ “ናበይ ኢኻ ደሊኻ? እሞ ክንድዚ ወስኽ?” ኢሉ ልዕሊ’ቲ ኡበር ዝተመኖ ዋጋ ይሓትትን ይወዓዓልን። ክፍሊት መብዛሕትኡ እዋን እለታዊ ስለ ዝዀነ ድማ ምስ መጽአ፡ ነዳዲ ንኽመልእ ኣቐዲምካ ብካሽ ክትከፍሎ ዝውቱርን ዳርጋ ከም ንቡር ዝስርሓሉን ኣገባብ’ዩ። ናይ ህዝቢ ዩጋንዳ ርግኣትን ንነገራት ከከም ኣመጻእአኦም ኣዚኻ ቀስ ኢልካ ምስራሕን ድማ ካብቲ ንበጻሒ ዓቕሉ ዘጽብቦ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ኡጋንዳ ሸበድበድ ኣይረአን--ኵሉ ኣርሒብካን ኣስተርሒኻን’ዩ። 
ዩጋንዳ ኣዝዩ ሃብታም መሬት ስለ እትውንን፡ ፍረታትን ኣሕምልቲን ብዘይ ዝዀነ ጻዕሪ ክበቝሉ፡ ወይ ድማ ኣብ ገደና ቤታት ክዝርኡ ንቡር’ዩ። ፍረታት ባናና፡ ኣቨካዶ፡ ማንጉስ፡ ወዘተ. ብቐሊሉ ስለ ዝበቍል፡ ዋጋታት ፍረታትን ኣሕምልቲን ኣዝዩ ሕሱር፡ እቶም ህዝቢ ድማ ብልምዲ’ውን ዝተመጣጠነ መግቢ ዝምገቡ’ዮም። እዚ ባህርያዊ ሃብቲ’ዚ ኣብ ገሊኡ መጠኑ ዝሓልፎ ቅስነት ከምጽእ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ባህሊ ምዕቃብን ምዕቋርን ከም ዘይፍጠር ኣብ ምግባር ተራ ኣለዎ። 
ዩጋንዳ ዓዲ ስደተኛታትን ንወጻእተኛን ወዲ ዓዲን ብማዕረ ዕድላት እትኸፍት ሃገር’ያ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጽኢ ኣብ ዩጋንዳ ኣይስማዕን። 
ከም ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ኣብ ዩጋንዳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ይነብሩ። ኣብዚ መስርዕ እቶም ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ፡ ኣስታት 900-ሽሕ ዝግመቱ ደቡብ-ሱዳናውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓኣቶም ስዒቦም ድማ ናብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝጽግዑ ዜጋታት ደሞክራዊስያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ’ዮም። ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንሶማልን ብሩንዲን ስዒቦም ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ይርከቡ። ከም ወግዓዊ ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዩጋንዳ ልዕሊ 34-ሽሕ ኤርትራውያን ይነብሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ግን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከም ዘይውክል ሓያሎ ነበርቲ ይሰማምዑ። መዝገብ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ስለ ዝሕደስን ብዙሓት ድማ ወግዓዊ ናይ ስደተኛ ወረቐት ስለ ዘይብሎም፡ ሕጂ ኣብ ዩጋንዳ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዕጽፊ ናይቲ ወግዓዊ ቍጽሪ ምዃኖም ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይዛረቡ። ድሕሪ ኲናት ካብ ሱዳን ዝገዓዙን ምስ ስእነት ጸጥታ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝሰገሩን ነቲ ኣሃዝ ክሳብ 75-ሽሕ ከብጽሑዎ ከም ዝኽእሉ ድማ ብዙሓት ይሰማምዑ። 
ኣብ ካምፓላ ንግዳዊ ስራሕ ዝኸፍቱ ኤርትራውያን ኣወፍርቲ ብዙሓት’ዮም። ካብ ምዝዋር ታክሲ፡ ድኳናትን ካልእ መሳልጢን ክሳብ ሕክምናን ሕርሻን ዝኸይድ ወፍርታት ድማ ይርአ። ምስቲ ነባሪ ህዝቢ ዘይተርፍ ምትእስሳር እኳ እንተሎ፡ እቲ ተርእዮ ግን ምስ ዕቤት ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ካምፓላ ንእሽቶ ኤርትራ ናብ ምፍጣር ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። 
ካብቶም ብቐረባ ከዘራራቦም ዝኸኣልኩ ነባሮ ዩጋንዳ ኤርትራውያን፡ ኣብታ ሃገር ዝስምዖም ቅስነትን ተቐባልነትን ደጋጊሞም ይጠቕሱ። ስራሕ ኣብ ምፍጣር ኣወናታዊ ተራ ስለ ዘለዎም’ውን ብህዝቢ ዩጋንዳ ጽቡቕ ተቐባልነት ዘለዎም ይመስሉ። ካልእ መለለዪ ግን ኣይሰኣኖምን። ኣብ ዩጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝበጽሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉቦ ብምኽፋል’ዮም ዝልለዩ። እዚ ልምዲ’ዚ ኣዝዩ እናሰረጸ ስለ ዝኸደ፡ እቶም ዝምልከቶም ሰብ-መዚ እተን ሃገራት’ውን ኤርትራውያን ክርእዩ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ጉቦ ክሓስቡን ንሓደ ንቡር ነገር ልዕሊ ዝግበኦ ዋጋ ክሓቱን ኣዝዩ ልሙድ’ዩ። “ገንዘብ ኣለዎም፡” ወይ ድማ “መንግስቶም ይሕግዞም’ዩ፡” ዝብል ሱር ዝሰደደ ርድኢት ከም ዘሎ’ውን ብዙሓት ነባሮ ካምፓላ ጠቒሶምለይ።  
ካብ ደገ ዝሕወለሎም ብዙሓት ስለ ዝኾኑን፡ ኣብቲ ዘለዉዎ ሃገር ድማ ንምስጋር እምበር፡ ከም ቀዋሚ ቦታኦም ስለ ዘይርእዩ ድማ ኵሉ ግዜ ናብራ ገያሻይ--ትርፊ ምሕሻሽ፡ ዘይምዕቋር፡ ነባሪ ዝምድና ንምምስራት ዘይምፍታን ካብቶም ዝውቱራት ባህርያት’ዮም። እዚኣቶም ተደማሚሮም ነቶም ደቂ ዓዲ ዋጋታት ኣብ ምኽባርን ንቡርነት ኣብ ምስኣናን ተራ ስለ ዘበርክቱ ድማ ኣብ ዝተናውሐ ናብ ጽልኢ ከይሓልፉ ስክፍታ ዘሕድሩ’ዮም። ብዙሓት ናይ ካናዳ ወረቐት ክጽበዩ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ትራንዚት ከም ዘለዉ ኣምሲሎም ዝነብሩ ኣለዉ። እቲ ትጽቢት ግን ንዓመታት’ዩ ዝኸይድ። ኣብ ገሊኡ’ውን ከምቲ ህቡብ ኣየርላንዳዊ ደራሲ ድራማ ሳሙኤል በኸት ኣብ “Waiting for Godot”  ዘመልክቶ፡ እቲ ትጽቢት ጎዶ ዘይክምለስን ዘይክውዳእን ይኽእል’ዩ። 

Основное содержимое страницы с новостью.

Схожие новости

#Наименование новостиТональностьИнформативностьДата публикации
1ገጣሚ ኣብ ስደት -- ሃይለ ቢዘን07.6223-08-2023
2ЧАДААНАГА КҮС КЕЛИРГЕ-ЛЕ тывалар ыглажып-ла эгелээр. Байлар-даа, бөдүүн-даа улус, арта ...012.7229-07-2026
390 чылдарда ЧЕЛНОКИ шокар сумкаларлыг, хепти кыдаттан, киргизиядан, турциядан ажырып ...-3408-07-2026
4ምርኢት ፋሽን ምስ ኣካላዊ ስንክልና ዝነብሩ ኣካላት ሕብረተሰብ05.0718-12-2024
590 чылдарда ЧЕЛНОКИ шокар сумкаларлыг, хепти кыдаттан, киргизиядан, турциядан ажырып ...-5308-07-2026
6Вᴄᴇ ᴏᴨᴩᴀʙдᴀния ᴧᴏжны Нᴇжнᴏᴄᴛь бᴏᴧьɯᴇ нᴇ ᴦᴩᴇᴇᴛ Дᴀᴧьɯᴇ ужᴇ нᴇ ...-5307-07-2026
7Топливный крах: Белый дом сжигает остатки стратегии017.5710-08-2026
8Italy Blocks Reproductive Health Websites Women on Web (WoW) and Women Help Women (WHW)06.5628-07-2026
9so can we start hunting down white liberals now or what-10109-07-2026

Классификация: . Схожих патентов: 0. Схожих новостей: 9. Тональность: 0. Информативность: 9.2. Источник: www.tigrigna.voanews.com.