Вход на сайт

Просмотр новости

Найдите то, что Вас интересует

ገጣሚ ኣብ ስደት -- ሃይለ ቢዘን

Дата публикации: 23-08-2023 15:08:33

ዋሽንግተን ዲሲ — ገጣሚ፡ ኣርታዒ፡ ጋዜጠኛን ጸሓፊ ሓጸርቲ ዛንታታን ሃይለ ቢዘን፡ ኣብቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኸይድ ኣዝዩ ንጡፍ ናይ ስነ-ጽሑፍ ህይወቱ፡ እንተስ ብግጥምታቱ ወይ ድማ ንሱ ዝመርሖም ተበግሶታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ፡ ብሕልፊ ድማ ናይ ኤርትራ፡ ተራኡ ጉሉሕ’ዩ።
ኣብ በበይኑ እዋን፡ ከም ኣባል መመዪት ሽማግለ ስነ-ጽሑፍ ራይሞክ፡ ዋና ኣርታዒ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ መጽሔት ሕውየት፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ዓመታዊ ውድድር ሓጺር ዛንታታት፡ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ልቦናን ስነ-ጽሑፍን ዝተመረቐ ሃይለ፡ ካብ ኤርትራ ኣብ 2009 ንስደት ድሕሪ ምምራሑ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ይነብር ኣሎ። ሃይለ ኣብ ስደተ ምስ ኣምረሐ’ውን ኣብ ብዙሓት መድረኻትን እኩብ ስራሓትን ኣበርክቶ ገይሩን ይገብር ኣሎን።
ሃይለ በብእዋኑ ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ገጢሙ’ዩ። ግጥምታቱ፡ በቲ ቀንዲ መመልዪኡ ዝዀነ ቅርጡውነት ኣጠቓቕማ ቃላቱን ዕምቆት ርእየታቱን ዝያዳ ይልለዩ። ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ ሰውራ ድማ ናብ ሓደ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ዝለዓለ ሰገነት ኣንቢሩ፡ ብመገዲ ግጥምታቱን ጽሑፋትን ዘልኣለማውነት ከም ዝለብስን ብቐሊሉ ከም ዘይለዓልን ገይሩዎ’ዩ። ኣብ ስራሓቱ ግን ንወታሃራዊ ዓወታት ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣንጻር ወገን ብዝወረደ ዕንወት ኣየጕልሕን። ቀንዲ ኣተኵሮኡስ ኣብ ሰባዊ ስምዒት እቶም ተሳተፍቱን ኣብ ዕላማ ዘሎ ኵልትናዊ መስዋእቲን ዘርእዩ’ዮም።
***
ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻእን ንስደት ምስ ኣምርሐን፡ ሃይለ ሕጂ’ውን ኣብ ግጥምታቱ ምስ ኣደኡ፡ ዓዱን እታ ተወሊዱ ዝዓበየላን ኣስመራ ዘለዎ ናፍቖት ምትእስሳርን መሊሱ’ዩ ዓብዩ። ነቲ ጽምዋን ቀዘማን ዝዓብለሎ ናብራ ስደቱ ድማ ንኣሽቱ ብዝመስሉ፡ ግን ከኣ ተላጊቦም ዝዓበየ ምስሊ ብዝህቡ ኣጋጣሚታት’ዩ ዝገልጾም። መብዛሕትኡ ካብኡ ብኣዲኡ’ዩ ዝውክሎም።
ናይ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ናይ ትግርኛ ተመራማሪ ዝዀነ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ነዛ “ንበል ኮይነ ኣለኹ” እትብል እክብቲ ናይ ግጥምታት መጽሓፍ ብኸምዚ ይገልጻ፤
“ኣብዛ መጽሓፍ፡ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ነቶም ናይ ሕብረተብ ግፉዓትን ሕቡኣን-ዝመስሉ ጠባያትን ድምጺ ብምሃብ፡ ኣዝዪ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ስእሊ የቕርብ። እንተዀነ፡ እዞም ግጥምታት ነቲ መዓልታዊ ህይወት ገጣሚን፡ ንቃልሲ ናይቶም ንሱ ዝፈጠሮም ኣብ መንጎ ተስፋን ሰቖቛን ዝነብሩ ጠባያትን፡ ብግቡእ ዘንጸባርቑ፡ ንቕንዕናን ውሕሉል ቅንየታዊ ጥበብ ገጣምን ብግሉህ ዘርእዩ ኢዮም። ብዓይኒ ስነጽሑፋዊ ታሪኽ እንተጠሚትካዮ ድማ፡ ሃይለ ቢዘን፡ ነቲ ኣብ ስነጽሑፍ ኤርትራ ልሙድ ዘይኰነ፡ “ካፍካዊ ቅዲ” ወይ “Kafkaesque style”፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅነያታዊ ቅዲ ተጠቒሙ ነቲ ንሰማዕቱን ርኣይቱን ዘባህርር ህልዊ ክውንነት ኤርትራ ምግላጹ፡ ነታ መጽሓፍ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተት መርኣያ ስራሕ ይገብራ።”
ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ገና ኣብ ኤርትራ እንከሎን ድሕሪ ስደቱን፡ ኣብ ቅርጺን ኣሰራርዓን ግጥሚ ትግርኛ ክልውጥን ቀጻሊ ፈተናታት ክገብርን ይርአ’ዩ። ኣብ ፈተነታቱ ድፍረት’ውን ሓዊሱ ስለ ዝገብሮ ድማ ኣብ ገሊኡ ንኣንባቢ ግር ክብሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ዝበዝሐ ተኸታታሊ ቅቡል ቅዲ ኮይኑ ክቕጽል ግዜ ዝወስድ’ዩ።
 
Основное содержимое страницы с новостью.

ዋሽንግተን ዲሲ — 

ገጣሚ፡ ኣርታዒ፡ ጋዜጠኛን ጸሓፊ ሓጸርቲ ዛንታታን ሃይለ ቢዘን፡ ኣብቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኸይድ ኣዝዩ ንጡፍ ናይ ስነ-ጽሑፍ ህይወቱ፡ እንተስ ብግጥምታቱ ወይ ድማ ንሱ ዝመርሖም ተበግሶታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ፡ ብሕልፊ ድማ ናይ ኤርትራ፡ ተራኡ ጉሉሕ’ዩ።

ኣብ በበይኑ እዋን፡ ከም ኣባል መመዪት ሽማግለ ስነ-ጽሑፍ ራይሞክ፡ ዋና ኣርታዒ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ መጽሔት ሕውየት፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ዓመታዊ ውድድር ሓጺር ዛንታታት፡ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ኮይኑ ሰሪሑ።

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ልቦናን ስነ-ጽሑፍን ዝተመረቐ ሃይለ፡ ካብ ኤርትራ ኣብ 2009 ንስደት ድሕሪ ምምራሑ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ይነብር ኣሎ። ሃይለ ኣብ ስደተ ምስ ኣምረሐ’ውን ኣብ ብዙሓት መድረኻትን እኩብ ስራሓትን ኣበርክቶ ገይሩን ይገብር ኣሎን።

ሃይለ በብእዋኑ ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ገጢሙ’ዩ። ግጥምታቱ፡ በቲ ቀንዲ መመልዪኡ ዝዀነ ቅርጡውነት ኣጠቓቕማ ቃላቱን ዕምቆት ርእየታቱን ዝያዳ ይልለዩ። ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ ሰውራ ድማ ናብ ሓደ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ዝለዓለ ሰገነት ኣንቢሩ፡ ብመገዲ ግጥምታቱን ጽሑፋትን ዘልኣለማውነት ከም ዝለብስን ብቐሊሉ ከም ዘይለዓልን ገይሩዎ’ዩ። ኣብ ስራሓቱ ግን ንወታሃራዊ ዓወታት ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣንጻር ወገን ብዝወረደ ዕንወት ኣየጕልሕን። ቀንዲ ኣተኵሮኡስ ኣብ ሰባዊ ስምዒት እቶም ተሳተፍቱን ኣብ ዕላማ ዘሎ ኵልትናዊ መስዋእቲን ዘርእዩ’ዮም።

***

ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻእን ንስደት ምስ ኣምርሐን፡ ሃይለ ሕጂ’ውን ኣብ ግጥምታቱ ምስ ኣደኡ፡ ዓዱን እታ ተወሊዱ ዝዓበየላን ኣስመራ ዘለዎ ናፍቖት ምትእስሳርን መሊሱ’ዩ ዓብዩ። ነቲ ጽምዋን ቀዘማን ዝዓብለሎ ናብራ ስደቱ ድማ ንኣሽቱ ብዝመስሉ፡ ግን ከኣ ተላጊቦም ዝዓበየ ምስሊ ብዝህቡ ኣጋጣሚታት’ዩ ዝገልጾም። መብዛሕትኡ ካብኡ ብኣዲኡ’ዩ ዝውክሎም።

ናይ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ናይ ትግርኛ ተመራማሪ ዝዀነ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ነዛ “ንበል ኮይነ ኣለኹ” እትብል እክብቲ ናይ ግጥምታት መጽሓፍ ብኸምዚ ይገልጻ፤

“ኣብዛ መጽሓፍ፡ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ነቶም ናይ ሕብረተብ ግፉዓትን ሕቡኣን-ዝመስሉ ጠባያትን ድምጺ ብምሃብ፡ ኣዝዪ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ስእሊ የቕርብ። እንተዀነ፡ እዞም ግጥምታት ነቲ መዓልታዊ ህይወት ገጣሚን፡ ንቃልሲ ናይቶም ንሱ ዝፈጠሮም ኣብ መንጎ ተስፋን ሰቖቛን ዝነብሩ ጠባያትን፡ ብግቡእ ዘንጸባርቑ ንዕናን ውሕሉ ቅንየታዊ ጥበብ ገጣምን ብግሉህ ዘርእዩ ኢዮም። ብዓይኒ ስነጽሑፋዊ ታሪኽ እንተጠሚትካዮ ድማ፡ ሃይለ ቢዘን፡ ነቲ ኣብ ስነጽሑፍ ኤርትራ ልሙድ ዘይኰነ፡ካፍካዊ ቅዲወይ “Kafkaesque style” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅነያታዊ ቅዲ ተጠቒሙ ነቲ ንሰማዕቱን ርኣይቱን ዘባህርር ህልዊ ክውንነት ኤርትራ ምግላጹ፡ ነታ መጽሓፍ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተት መርኣያ ስራሕ ይገብራ።”

ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ገና ኣብ ኤርትራ እንከሎን ድሕሪ ስደቱን፡ ኣብ ቅርጺን ኣሰራርዓን ግጥሚ ትግርኛ ክልውጥን ቀጻሊ ፈተናታት ክገብርን ይርአ’ዩ። ኣብ ፈተነታቱ ድፍረት’ውን ሓዊሱ ስለ ዝገብሮ ድማ ኣብ ገሊኡ ንኣንባቢ ግር ክብሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ዝበዝሐ ተኸታታሊ ቅቡል ቅዲ ኮይኑ ክቕጽል ግዜ ዝወስድ’ዩ።

Схожие новости

#Наименование новостиТональностьИнформативностьДата публикации
1እታ ዘይትድቅስ ከተማ ካምፓላ--“ኣይትተሃወኽ” 09.201-08-2023
2Отреставрированная �Пьета� Джованни Беллини впервые представлена ​​в венецианском Ка-д’Оро0521-11-2025
3Ислам в стиле TED: постсекулярное повествование о религии в цифровых медиа. Рец. на кн.: Mamalipurath J. (2024) TEDified Islam: Postsecular Storytelling in New Media. Singapore: Palgrave Macmillan014.5311-07-2026
4Постсекулярный поворот в исследованиях религий Китая. Рец. на ст.: Gao Q., Hopkins P., Ma X. (2025) Toward Postsecular Feminism: Intersectionality and the Religious Subjectivities of Women Migrant Workers in China. Annals of the American Association of Geographers. Vol. 115. No. 1. P. 167–183. 016.8211-07-2026
5К метанарративу постмодерна. Филипп Портье о религиозной мысли и социальных науках в постсекулярную эпоху. Рец. на ст.: Portier P. (2025) Pensée religieuse et sciences sociales en régime de post-sécularité. Une analyse à partir d’un “grand récit” sociologique. Recherches de Science Religieuse. Vol. 113. No. 3. P. 492―505. https://doi.org/10.3917/rsr.253.0092017.3811-07-2026
6С. М. Шамин. Как составить экстракт следственного дела для императрицы Анны Иоанновны? О работе сотрудников Тайной канцелярии с материалами расследования по доносу священника С. И. Дугина0128-05-2025
7В. И. Иванов. �Научая чад моих духовных правоте веры к Богу, непоколебимой верности к монарху, истинной любви к Отечеству�: обстоятельства монаршей награды протоиерея Петра Куницкого0003-07-2025
8Médias du jour de Wikimedia Commons pour le 5 juillet0505-07-2026
9I’m really into whatever this is lately with overseas drama shows029.4401-07-2026
10⚖️051.7719-08-2026

Классификация: . Схожих патентов: 0. Схожих новостей: 10. Тональность: 0. Информативность: 7.62. Источник: www.tigrigna.voanews.com.